Mission

ቃል ፈጻሚ ኮሚተ ዓባይ ብርጣንያ

እዚ ዘሎናዮ ታርኻዊ እዋን ህዝቢ ኤርትራ ‘’ምንኣኸይ ዝርዳእ፡ ቃንዛይ ተሰሚዕዎ ፋዕራይ ዝገብር እሞ፡ እዛ ዝቖሰለት ሃገርና ከኣ ዝፍውስ መን እዩ፧’’ ዝብለሉ ዘሎ እዋን እዩ። ንሕና ኤርትራውያን ሓፍነትና ብምልዓል ጸገምና ክንፈትሕን ብሰንኪ እቲ ህግደፍ፡ ዘውረደልና ሕሰምን መከራን በብዘሎናዮ ክንወዳደብ ዓመታት ሓሊፉና ኢዩ። ካብ ዝሓለፈ ቀረባ ዓመታት ግን ኤርትራውያን ብሓባራዊ ቃልሲ ዝቆሰለት ሃገርና ንምፍዋስን ግብራዊ ተበግሶታት ኣብ ምውሳድ ንርከብ። በዚ መሰረት እምበኣር እንሆ ንኹሉ ዘሳትፍ ሓድነት ኤትራዊያን ንፍትሒ ዝብል ምንቅስቃስ ተመስሪቱ ኣሎ።